ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መበል 14 በዓል ሰንደቕ ዕላማ ኣኽቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዝተማልአ ሉኡላዊነት ንብራኸ ሰንደቕ ዓላማና!” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መበል 14 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣኽቢሮም።

ስለዝኾነ ድማ ኣባላት መምርሒ ሰራዊት እዚ ምዕራብ፣ ክፍለ ሰራዊት ደጀን እግረኛ፣ ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ምብራቕ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ሓይሊ ወፍሪታት ፌዴሪኢ፣ ማእኸል ምርምርን መፅናዕቲን ምክልኻል፣ ከምኡ እውን ኣብ ጃንሜዳ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ሰራዊት ምክልኻል መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣኽቢሮም፡፡

ዳይሬክተር ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ብ/ጀነራል ኩማ ሚደቅሳ፥ ሰንደቕ ዕላማ ምልክት መፍለጢ ሃገር፣ ናፅነት፣ ምልክት ብሐየራዊ ሓድነትን ክብሪን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቶም ዳይሬክተር መበል 14 በዓል ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ጃንሜዳ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ምክልኻል ብሓባር ኣብ ዘኽበሩሉ እዋን ተረኺቦም ከምዝገለፁዎ፥ ጀጋኑ ኣቦታትና ብዝገበሩዎ ተጋድሎ ሰንደቕ ዕላማ ክብሪን ናፅነትን ሃገር ተሓሊዩ ከምዝፀንሐን ብናይ ሕዚ ወለዶ እውን ተኸቢሩ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ከምዝግበኦን ኣገንዚቦም፡፡

“ኣብ ቅድሜና ዘሎ ልዑል ሓላፍነት ህልውና ብምሕላው፤ ሰንደቕ ዕላማና ሒዝና ህልውና ኢትዮጵያ ኣሐሊና ክንቅፅል ኢና” ክብሉ ገሊፆም፡፡

በዓል መዓል ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ዝተኸበረሎም ክፍሊታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፥ ክብሪ ሰንደቕ ዕላማን ሃገርን ብምቕዳም ድሙቕ ታሪኽ ዝፀሓፈሉ እዋን ከምዝኾነ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ሰራዊት ምክልኻል ንዝለዓለ ወፍሪ ክለዓዓል ከምዝግባእ መልእኽቲ ከምዝተመሓላለፈ እውን ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment