ሰራዊት ምክልኻልን ሓይታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራን ኣብ ግምባር ማይ ፀብሪ ልዑል ዓወት የመዝግብ ኣሎ – ዋና ኣዛዚ ክፍለ ጦር መበል 54 ኮሎኔል የሺበር ኣዳነ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻልን ሓይታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራን ኣብ ግምባር ማይ ፀብሪ ልዑል ዓወት የመዝግብ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ ግምባር ማይ ፀብሪ ዋና ኣዛዚ ክፍለ ጦር መበል 54 ኮሎኔል የሺበር ኣዳነ፥ ግብረ ራዕዲ ትህነግ ኣብ ልዑል ክሳራ ከምዝኣተወ ገሊፆም፡፡

ሓይሊ ፀፅታ መንግስቲ ፀላኢ ንምስዓር ሰፊሕ ቅድመ ምድላው ገይሩ ምእታዉ እናተመዝገበ ንዝርከብ ዓወት ልዑል ኣስተዋጽኦ ምብርካቱ እቶም ዋና ኣዛዚ ንኣሚኮ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ኲናት ብመሳርሒ ዘይኮነ ብማዕበል ሓይሊ ሰብ ንምምራሕ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነን ሓይሉ እውን እናተዳኸመ ምምፅን ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment