ሰራዊትና ዝወሃቦ ወፍሪ ንምፍፃም ኣብ ዝሐሸ ድልዉነትን ቁመናን ይርከብ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)ሰራዊት ምክልኻል ዝወሃቦ ወፍሪ ንምፍፃም ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣብ ዝሐሸ ድልዉነትን ቁመናን ከምዝርከብ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ እዚ ዝበሉ÷ “ካብ ዝኾነ እዋን ንምዝማንን ንዓወትን ንዳሎ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ማእኸላይ እዚ ዳሎል ኣብ ከተማ ጅማ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኢዩ።

ኣብ መልእኽቶም ድማ ማእኸላይ እዚ ዳሎል ብሓዊ ዝተፈተነን ንሉኣላዊነት ሃገር ዘኹርዕ ጅግንነት ዝኸፈለ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

ኣባላት እቲ እዚ ኣብ ቀፃሊ ግቡኦም ብዝዓዘዘ ኣፈፃፅማ ንኽዋፅኡ ድልዉነቶም ብዝበለፀ ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ብዘበናዊ ዕጥቂ ብምውዳብ ዝወሃብ ግቡእ ንምፍፃም ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ኣብ ዝሐሸ ድሉውነትን ቁመናን ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም፡፡

“ቀንዲ ዕላማ እቲ ሰራዊት ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ምሕላው ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ልእኹቶ እውን ብብቕዓት ክዋፃእ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ማእኸል ጅግንነት እቲ ሰራዊት ምክልኻል ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢዩ ዝበሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ÷ ስም ሰራዊት ምክልኻል ብሓሶት ብምፅልእላእ ፖለቲካዊ ዛዕበኦም ንምፍፃም ዝሰርሑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክዕቀቡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ቀንዲ ዕላማ እዞም ኣካላት እውን ካብ ባዕዳውያን ልኡኽቶ ብምቕባል ኢትዮጵያ ምፍራስ ከምዝኾነ ምግላፆ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ቀፃሊ እውን ህልውናን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ ብምኽባር ናይ ዝኾ ይኹን ወፍሪ ብብቕዓት ንምውፃእ ድሉው ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment