ሰራዊትና ከም ሃገር ከንፀላሉ ዝኽእል ዝኾነ ምትንኻፍን መጥቃዕቲን ብብቕዓት ክምክት ኣብ ዘኽሎ ደረጃ ይርከብ – ጀኔራል ጌታቸው ጉዲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጉንበት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊትና ከም ሃገር ከንፀላሉ ዝኽእል ዝኾነ ምትንኻፍን መጥቃዕቲን ብብቕዓት ክምክት ኣብ ዘኽሎ ደረጃ ይርከብ ክብሉ ዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብ ጀኔራል ጌታቸው ጉዲና ገሊፆም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ምስ ሓሻኽሩ ብምትሕብባር ዝኸፈቶ ሃገር ናይ ምፍራስ ትልሚ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝተሓላለኸ ኩነታት ኮይኑ ከፍሽሎ ከምዝኸኣለ ዝሓበሩ ጀኔራል ጌታቸው ጉዲና፥ ድሕሪ ወፍሪ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ብምጥቃም እቲ ትካል ብሞራል፣ ብሓሊ ሰብ፣ ብብቕዓትን ማቴሪያልን ዝተማለአን ግዙፍን ሓይሊ ክኸውን ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

እቲ ሰራዊት ሕድሕድ ሰዓት ኣብ ስልጠና ብምውዓል ወቓዒን ዓወት ብዘተኣማምን መልክዑ ከምፅ ኣብ ዝኽእል ቁመና ንኽበፅሕ ምግባር ከምዝተኽኣለ ዝገለፁ እቶም ጄኔራል፥ ሃገር ንምድፋር ኣብ ልዕሊ ዝሓስቡ ኣካላት መንግስቲ ብዘቅምጦ ኣንፈት መሰረት ብምግባር ዘየዳግም ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቖም።

እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያዊ ዝኾነ ሰራዊት ናይ ምህናፅ ከይዲ ዘዕወተን ስምዒት ሃገራዊ ፍቕሪ ዘለዎ ሰራዊት ዝሃነፀ ብምዃኑን ንቀፃሊ ኣፈፃፅማ ወፍሪ ዕዉት ብፅሒት ከምዝህልዎ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ኢትዮጵያ ዝለዓል ሓዊ ንኹሉ ከምዝጎድእ ምርዳእ ካብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ትፅቢት ዝግበር ተግባር ከምዝኾነ ዝገለፁ ገነራል ጌታቸው፥ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት መበገሲ ብምግባር ንጁንታን መሓዙቱን ድጋፍ ብመሃብ ሃገር ኣብ ሓደጋ ንኽትወድቕ ዝሰርሑ ኣካላት ደው ኢሎም ክሓሱብ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment