ሰራሕተኛታት ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 1 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታት ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 1 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም።

ኣብ ክልል ደቡብ ሩባ ኦሞ እናተሃነፀ ዝርከብ ካብ ግድብ ህዳሰ ቀፂሉ 2ይ ግዙፍ ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኢዮም 1 ሚሊየን 51 ሺሕ ብር ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ገይሮም ዘለዉ።

ተወካሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝኾኑ ሻለቃ ታመነ ዘመዴ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ኣብ ዝገበሩዎ ዘረባ፥ ህዝቢ እናገበሮ ዝርከብ ኩለመዳይ ሓገዝ ንሰራዊት ምክልኻል ናይ ሞራል ስንቂ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ስግኣት ሃገር ክሳብ ዝውገድ ህዝቢ ዝገብሮ ሓገዝ ከጠናኽርን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ንኽብል ብምሕታት ንሰራሕተኛታት ፕሮጀክት ኮይሻ ኣመስጊኖም።

ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስን ኣባል ኮሚቴ መተኣኻኸቢ ሓገዝ ሰራዊት ምክልኻልን ክልል ደቡብ ኣይተ ተፈሪ ኣባተ፥ ንሰራዊት ምክልኻል ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምዝራቦም ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment