ሰራሕተኛታት ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ተኣዚዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታት ቤተ-መንግስቲ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ብሙሉኦም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ተኣዚዞም።

ተሓጋገዝቲ እቶም ፕሬዚዳንትን ምኽትሎምን ብቫይረስኮሮና ድሕሪ ምልካፎም እዩ እቶም ሰራሕተኛታት ማስክ ክጥቀሙ ትእዛዝ ተዋሂቡዎም ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ድሕሪ ሐዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝኣትው ሰራሕተኛታት ኩሎም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምዝገብሩ ተገሊፁ።

ምምሕዳር ሰራሕተኛታት እቲ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኩሉ ሰራሕተኛ ምስ ሰብ ኣብ ዘይራኸበሉን ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈቱ ኾፍ ካብ ዝብለሉን ወፃኢ ኣብ ዝኾነ ቦታን ሰዓትን ማስክ ክጥቀም ግድን እዩ ይብል።

ሓጋዚ ምክትል ፕሬዚዳንት ማይክ ፔንስን ሓጋዚ ፕሬዚዳንት ትራምፕን በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ይዝከር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment