ሰራሕተኛታት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 500 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ሃገር ንምኽባር እናተዋደቐ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻታትን ካብ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ልዕሊ 500 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም።

ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣቤ ሳኖ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ባንኪ ቅድሚ ሕዚ 300 ሚሊየን ብር ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ሰራሕተኛታትን ኣባላት ማኔጅመንት እቲ ባንኪ ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ብድምሩ ልዕሊ 500 ሚሊየን ብር ምልጋሶም ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ንሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊን ከምኡ እውን ብምኽንያት እቲ ኲናት ናብ ፀገም ንዝወደቑ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝውዕል ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment