ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ይበፅሖም ኣሎ – ተንታኒ ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ትካላት ሓገዝን ተቖፂሮም ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተፈላለዩ ጉድኣታታት እናተኣናገዱ ከምዝኾኑ ተንታኒ ፖለቲካ ጄፍ ፒርስ ኣፍሊጡ።

ፍልፍላት ጄፍ ፒርስ ከምዝሓበሩዎ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከይዶም ኣብ ውሽጢ እቶም ትካላት ብቐዋሚነትን ኩንትራትን ተቖፂሮም እናሰርሑ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ምንእኣስ፣ ምእሳርን ካልኦት ስነ-ልቦናዊን ኣካላዊን ጉድኣታት እናተኣናገዱ ከምዝኾኑ ኢዩ።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓለፍቲ እቶም ትካላት እቲ ጉዳይ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ይኹን ንህዝቢ ዕላዊ ንምግባር ከምዘይፈቕዱ እውን ኣብሪሁ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰራሕተኛታት ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ተበኣኢሱ ካብ ምቕፃሉ ብተወሳኺ እቶም ሰራሕተኛታት ብዝበፅሖም ጉድኣት ካብ መዕረፊ ጣቢየኦም ናብ ስራሕ ንምኃድ ከምዝተፀገሙ እቶም ፍልፍላት ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment