ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓን ሰራሕተኛታት መንግስትን ወረዳ ቆላተምቤን ኣብ ጣብያ ደብረፃሃይ ናይ ዝርከቡ ነበርቲ ሓገዝ ወፍሪ ዓፂድ ኣካይዶም።
ኣማሓዳሪ ወረዳ ቆላ ተምቤን አይተ ተኽላይ ተስፋይ፥ ዕላማ ናይዚ ወፍሪ ኣብታ ወረዳ ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ንምሕጋዝ ኢዩ ኢሎም።
ኩሉ ሰራሕተኛን መንግስትን ብምውዳድን ብምልዕዓልን ቀፃላይ ድጋፍ ከምዝገብር እውን ገሊፆም ክብል ርክብ ህዝቢ እታ ወረዳ ሓቢሩ።
ኣብቲ ወፍሪ ዓፂድ ዝተሳተፉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብግደኦም፥ እታ ወረዳ ብቐፃሊ እውን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ብምዃን ዘድሊ ደገፍ ንምሃብ ድልዋት ኢና ኢሎም።
እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ከጋጥም ስለዝኽአል ሓረስቶት ዝራእቶም ብእዋኑ ክእክቡ ከምዝግባእ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምትሕስሳቡ ይፍለጥ።