ሰሪሕና ሕቶ ህዝቢ ክንምልስ ኢና – ርሳነ ምምሕዳር ክልላት

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተጎራበትቲ ክልላት ምብራቕ ኩለመዳያዊ ምትእስሳር ብምጥንኻር መሰረታዊ ሕቶታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ህዝቢ ትርጉም ብዘለዎ መገዲ ንምምላስ ብቖራፅነት ከምዝሰርሑ ርእሳነ ምምሕዳር እተን ኮረባብቲ ክልላት ኣፍሊጦም።

እቶም ርእሳነ ምምሕዳር፥ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ባቢሌ ተረኺቦም ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኢፋ ቦሩ ዋዩ ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብቲ እዋን፥ “ዝቕፅሉ 5 ዓማውቲ ከም 20 ዓመታት ብምስራሕ መሰረታዊ ሕቶታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ህዝቢ ክንምልስ ኢና” ኢሎም።

ብፍላይ ተጎራበትቲ ክልላት ምብራቕ ኢትዮጵያ ዘለወን ኩለመዳይ ምትእስሳር ብምድንፋዕን ብምውዳድን ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዝተጀመሩ ተግባራት ከምዘጠናኽ ገሊፆም።

ርእሰ መምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ብግደኦም፥ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይኹን ኣብ ክልል ሶማሌ ዝተጀመሩ ተስፋ ዝህቡ ተግባራት ሰላምን ልምዓትን ብዝበለፀ ውፅኢት ንኽዕጀቡ ዝግበር ርብርብ ከምዝጠናኸር ገሊፆም።

ብሽርሒ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ክልቲአን ክልላት ዝተፋሕሰ ተንኮል ፅባሕ እቲ ለውጢ ከምዝተበተኸን ኩለመዳይ ምትእስሳር ህዝቢን ከይዲ ሓበራዊ ምዕባለን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣገንዚቦም።

ኣብ ተጎራበትቲ ክልላት ምብራቕ ኢትዮጵያ ብምውዳድ እናተመዝገቡ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም ዝበሉ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ኢዮም።

እተን ክልላት ብሓባር ንምልማዕን ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ንምድንፋዕን እሴታት ባህሊ፣ ታሪኽ፣ መንነትን ብሓባር ተኣሳሲርካ ምንባርን ዘለዎም ከምዝኾኑ ኣብሪሆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment