ሰሜን ኮርያ ክልተ ሚሳኤላት ኣወንጪፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮሪያ ክልተ ሚሳኤላት ምውንጫፋ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ሚሳኤላት ካብ ምብራቓዊ ጠረፍ ባሕሪ እታ ሃገር ናብ ባህሪ ጃፓን ዝተወንጨፉ ኢዮም።

እቲ ናይ ሕዚ ፈተነ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዓመተ 2020 ካብ ዝኣቱ ንደሓር ፈላማይ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሐለፈ ወርሒ ሕዳር ተመሳሳሊ ፈተነ ኣካይዳ ምንባራ ይዝከር።

ሎሚ መዓልቲ ዝተገበረ ፈተነ ምውንጫፍ ሚሳኤላት፥ ተወንጨፍቲ ሓፀር ርሕቐት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ሓይሊ ጦር እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ፍልፍ፦ ቢቢሲ

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment