ሰሜን ኮሪያ ፈላማይ ተጠርጣሪ ቫይረስ ኮሮና ምረካባ ስዒቡ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰሜን ኮሪያ ፈላማይ ተጠርጣሪ ቫይረስ ኮሮና ምረካባ ስዒቡ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጃ።

እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ብቫይረስ ኮሮና ዝተጠርጠረ ሰብ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጣ።

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዓለምና ብፍላይ ድማ ኣብ ቻይና ከተማ ዉሃን ካብ ዝርከብ ንደሓር ሸውዓተ ወርሒ ዘቑፀረ ይኹን እምበር፤ ሰሜን ኮሪያ ግን ንፈለማ እዋን ኢያ በቲ ቫይረስ ዝተጠርጠረ ረኺበ ኢላ ዘላ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን፥ ኣብ ከባቢታ ዶብ ዝርከባ ከተማታት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝኣወጁ ተገሊፁ።

እቶም ፕሬዚዳን ኣብ ዶብ ከተማታት ሰሜን ኮሪያ ምንቅስቓስ ሰባትን ካለኦትን ንኽግደቡ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።

ሰሜን ኮሪያ እቲ ውሳነ ክተመሓላልፍ ዝኸኣለት፥ ብቫይሰር ኮሮና ዝተጠርጠረ ውልቀ ሰብ ካብ ደቡብ ኮሪያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ጥሒሱ ምእታዊ ስዒቡ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ውለቀ ሰብ ቫይረስ ኮሮና እንተተረኺቡዎ ድማ ኣብ ሰሜን ኮሪያ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ፈላማይ ሰብ ኮይኑ ከምዝምዝገብ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ reuters.com

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment