ሰሜን ኮሪያ ብዙሓት ባላስቲክ ሚሳኤላት ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ ከምዝተኮሰት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኣኼባ ኩለ መዳይ ሚኒስትራት ናብ ደቡብ ኮሪያ ምእታዎም ስሺቡ፥ ሰሜን ኮሪያ ብዙሓት ናይ ሓፂር ርሕቀት ባላስቲክ ሚሳኤላት ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ ከምዝተኮሰት ተገሊፁ።

እቲ ባለስቲክ ምሳኤላት ሎሚ ንጎሆ ዝተተኮሰ እነትኸውን፥ 300 ኪሎ ሜትሮ ብምቁራፅ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ ከምዝዓለበ ተሓቢሩ።

ሰሜን ኮሪያ ሓደ ዓይነት ኬ ኤን-24 ዝተብሃሉ ናይ ሓፀር ርሕቀት ምሳኤላት ምትኳሳ ላዕለዋይ በዓል መዚ ሰራዊት ደቡብ ኮሪያ ገሊፁ።

ሰራዊት ደቡብ ኮሪያ ነቶም ምሳኤላት ሽዑ ንሽዑ ከምዝረኣዮምን ሓበሬታ ንሰብ መዚ ኣሜሪካን ጃፓንን ከምዝገለፀን ምሕባሩ ኣዜርኒውስ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment