ሰሜን ኮሪያ ሩሲያ ምስ ዩክሬን እናገበረቶ ንእትርከብ ኲናት ሓገዝ ከምትገብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ሰሜን ኮሪያ ፒዮንግያንግ ዝኣተዉ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ፕሬዚዳንት እታ ሃር ኪም ጆንግ ኡን ብወታደራዊ ምርኢት ዝተዓጀበ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኪም ጆንግ ኡን ብዘቕረቡሎም ዕድመ መሰረት ኢዮም ድሕሪ 24 ዓመታት ናብ ሰሜን ኮሪያ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣምሪሖም ዘለዉ፡፡

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝነበሮም ዘተ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ወታደራዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብምድሃብ ዘቲዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ዩክሬን ኣብ ኲናት ንትርከብ ሩሲያ ሰሜን ኮሪያ ሓገዝ ከምትገብር እውን ኪም ጆንግ ኡን ገሊፆም።

ብፍላይ ክልቲአን ሓይሊ ኒውክሌር ዝተዓጠቓ ሃገራት ብምዃነን ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ብዝምልከት ከምዝዘተዩ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኢኮኖሚን ካልኦት ዓውዲታትን ዘለዎም ምትሕብባር ንምድንፋዕ ከምዝተላዘቡ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ፕሬዚዳንት ኪም÷ ሩሲያ ምስ ዩክሬን እናገበረቶ ንእትርከብ ኲናት ኣድላዪ ሓገዝ ከምትገብሪ ኣረጋጊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment