ሰሜን ኮሪያ ምስ ደቡብ ኮሪያ ዝነበራ ዝኾነ ይኹን ርክባት ጠጠው ክብል ወሲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰሜን ኮሪያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኮሪያ ተጀሚሩ ዝነበረ ዝኾነ ይኹን ርክባት ጠጠው ክብል ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።

እቲ ውሳነ፥ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝፀንሐ ናይ ቴሌፎን ርክባት’ውን ዝሓውስ እዩ።

ሰሜን ኮርያ እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ “ፀላኢት ሃገር” ኢላ ዝገለፀታ ደቡብ ኮሪያ ክትወስዶም ካብ ዝሃቀነት ተኸታተልቲ ተግባራት እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ ኢላ።

ብፍላይ ኣብ ጥቓ ዶብ እትርከብ ኪሶንግ እትበሃል ከተማ ተጣይሹ ብዝነበረ ቤት ፅሕፈት ኣቢሉ ክግበር ዝፀንሐ ርክባት ቴሌፎን ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ከምዝቋረፅ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ድሕሪ እቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2018 ዝተገብረ ዝርርብ ዕርቀ ሰላም፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክፍጠር ዝኽእል ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ እዩ ተጣይሹ ነይሩ ተባሂሉ።

ሰሜንን ደቡብን ኮሪያ ኣብቲ እዋን መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ተራኺቦም ዝርርብ ሰላም ገይሮም እንተነበሩ’ኳ ዛጊድ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝተፈረመ ናይ ሰላም ውዕል የለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment