ሰሜንን ደቡብ ኮሪያ ተኹሲ ተለዋዊጠን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜንን ደቡብ ኮሪያ ተኹሲ ከምዝተለዋወጣ ተገሊፁ፡፡

ክልቲአና ሃገራት ዝተለዋወጠኦም መጥቃዕቲ ሚሳኤላት÷ ጉድኣት እንተይኣብፅሑ ኣብ ጥቓ ጠረፍ ባሕሪታት ከምዝዓለቡ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ሰሜን ኮሪያ ኣቐዲማ ዝፈነወቶ ሚሳኤል ሶኮቾ ካብ ዝተብሃለት ከተማ ደቡብ ኮሪያ 60 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ምዕላቡ ተሓሩ፡፡

ደቡብ ኮሪያ ካብ ሰሜን ኮሪያ ተፈፂሙኒ ዝበሎቶ ድፍረት ስዒቡ ድማ ድሕሪ ሰዓታት ፃንሒት፤ ሰለስተ ሚሳኤላት ኣከታቲላ ብምትኳስ ግብረ መልሲ ሂባ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment