ሰማእታት እዚ ሰሜን ብምዝካር ታሪኻዊ ሓደራና ክንዋፃእ ኢና-ሰራዊት ምክልኻል

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰማእታት እዚ ሰሜን ብምዝካር ታሪኻዊ ሓደራና ክንዋፃእ ኢና ክብል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ገሊፁ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዘበና ብዙሓት ህልውናኣ ዝፈታተኑ ትዕቢት ዝወጠሮም ሃገራት ወረራ ብምፍፃም ረብሐኦም ነምፅዓን ፈቲኖም ኢዮም ኢሉ።

ይኹን እንበር ጀጋኑ ደቃ ነቶም ፀላእቲ ብዋልታን ኲናትን ብምፍላም ከከምኣመፃፅአኦም ብምምላስ ሉእላዊት ሃገር ኣረኪቦሙና ኢዮም ክብል ገሊፁ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ግፍዒ ይፍፅም ከምዝነበረ ብምዝኽካር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ኣብ ዝመፅአሉ ፅባሕ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ነቲ ለውጢ ምፅልእላእ ከምዝጀመሩ ሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ካብ 1990 ጀሚሩ መቐመጢኡ ኣብ ትግራይ ብምግባር ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝነበር ዝነበረ እዚ ሰሜን ካብ ደቂ ሰባት ትፅቢት ብዘይግበር ጭካነ ዝተመልኦ ከምዝጨፍጨፎን ክሕደት ከምዝፈፀመን ገሊፁ።

ኣባላት እዚ ሰሜን ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናፅ ህፃናት ይመሃሩ ስለ ዝበሉ፣ ጣቢያታት ጥዕና ብምህናፅ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ይቀነስ ብምባሎም፣ ጎዳጉዲ ማይ ብምፍሓር ኣደታት ካብ ፆር ብምድሓኖም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብጥይት ፈዲዩዎም ኢዩ ኢሉ እቲ መግለፂ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ንህዝቢ ትግራይ ብገንዘቦም፣ ጉልበቶምን ፍልጠቶምን ብምድጋፍን መስዋእትነት ህይወት ብምፍፃምን ኩሉ ዓይነት መስዋእቲን ደገፍን ዝገበሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝፈፀሞ ክሕደትን ጫፍ ጭካነን ናይ ዒዋሉ እካብ ምዃኑ ከምዘረጋገፀ አውን ኣብሪሁ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት 24 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ክሕደት ብዘይምዕጋብ ካሊእ ኲናት ብምኽፋት ኣብ ወርሒ ሰነ 2013 ዓ.ም መንግስቲ በይናዊ ደው ምባል ተዂሲ ብምግባር ሰራዊቱ ካብ ተግራይ ኣብ ዘውፀአሉ እዋን በቢበረኽኡ ተበታቲኑ ዝነበረ ዕጡቑ ኣኻኺቡ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ወረራ ከምዝፈፀመ ገሊፁ።

ኣብቲ እዋን ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ክሳብ ሲኦል ምኻድ እንተኣድሊዩ ከምዝኸዱ ከምዝተዛረቡ አወን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ጭና፣ ጋሊኮማ፣ ን ካልኦት ከባቢታትን ብዘይ ርህራሀ ንፁሃን ብጅምላ ከምዝቐተሉ አወን ሓቢሩ።

ዝጀመርዎ ወረራ ብጀግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምምካት ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምውፅኦም ብምግላፅ፥ መንግስቲ ስምምዕነት ደው ምባል ተኺሲ ኣብ ዝገበረሉ እዋን 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ሳልሳይ ዙር ወረራ ከምዝፈፀሙ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣረዲኡ።

ህወሓት ምስ ባንዳታትን ታሪኻዊ ፀላእቲን ብምዃን ወረራ እንተፈፀመ እወን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝግባእ ከምዝመከቶ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ቀፂሉ ድማ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲን ወረራን ልዑል ሰብኣዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ቅልውላው ከምኡውን ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ዘስዓበ እንተኾነ እውን ብሰዓራይነት መንፈስ ንዋፅኦ ኣለና ኢና ኢሉ።

ምስ መላእ ህዝቢ ብምዃን ብመሰረት ዝገበርናዮ ልዑል ተጋድሎ ህወሓት ባዕሉ ብዝወለዖ ኲናት ንክጠፍእ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ከምዝርከብ እውን ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment