ሰላም ፍትሕን ዴሞክራሲን ምጉልባት ንውሑስ ሰላም ሃገር ኣገደስቲ እዮም- ኣምባሳደር ደገፎ ቡላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም ፍትሕን ዴሞክራሲን ምጉልባት ንውሑስ ሰላም ኣገደስቲ እዮም ክብሉ ብማዕረግ ሚኒስትር ጀነራል ዳይሬክተር ትካል ኢኒስቲትዩት ፍትሕን ሕግን ፎደራል ኣምባሳደር ደገፎ ቡላ ገሊፆም ።

ሕሉፍ ታሪካትና መሕዘንትን ከቢድ በሰላ ኣሕዲሩ ዝሓለፈ ብምዃኑ እዞም ታሪካት ንዘልኣለም ንከይድገም ዩኒቨርስቲ መቐለ ከም ሓደ ትካል ላዕለወት ትምህርቲ እጃምና ንምውፃእ ኣብ ምንቅስቓስ ንርከብ ክብሉ እቶም ምክትል ፕሬዝዳንት ጉዳያት ኣካዳሚ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብዱልቓድር ከድር ዶክተር ገሊፆም።

ብምትሕብባር ዩኒቨርስቲ መቐለ ኮሌጅ ሕጊ ማእከል ዕርቅን ሰላምን ፣ ኢንስቲትዩት ሕግን ፍትሕን ፌደራልን ብሓባር ብምኾን ኣብ ሃገር ሰላም ዘድሀበ” ሰላም ፍትሒን ዴሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ ።

ኣብቲ ዘተ ካብ ኩለን ዩኒቨርስቲታት ኢትዮጵያ ዝተወፃእፃኡ ምሁራት ተወከልቲ ትካል ሕግን ፍትሕን ፌደራልን ኮሚኒቲ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲን ተሳቲፎም እዮም።

ኣብቲ ዘተ ካብ ኩለን ዩኒቨርስቲታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፀኡ ምሁራን ኣብ ሰላም ሃገር ዘድሀበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ድሕሪ ምቕራቦም ሓባራዊ ምይይጥ ተኻይድ።

እቲ ዘተ ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ ።

ብብርኽቲ ማህተም

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment