ሰላም ከም ፈልሲ ተኽሊ ክንክን ዘድልዮ ኢዩ – ቀዳማይ ሚ/ር ዶ/ር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)”ሰላም ከም ፈልሲ ተኽሊ ኢዩ፤ ተኽሊ ተተኺሉ ክንክን ከምዘድልዮ ሰላም እውን ቅኑዕ ሕልናን ክንክንን የድልዮ” ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ።

ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኖርዌይ ኦስሎ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ሽልማት ኖቤል ሰላም ተረኺቦም ሽልማቶም ድሕሪ ምቕባል ኣብ ሰላም ዘድሃበ ዘረባ ኣስሚዖም።

ኣብቲ ዘስምዑዎ ዘረባ ድማ፥ ኮሚቴ ኖቤል ኖርዌይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርተራን ዝነበረ ወጥሪ ዶብ ብሰላም ንኽዛዘም ኣመልኪቱ ንዘሃቦም ኣፍልጦ ኣመስጊኖም።

እቲ ሽልማት፥ ብሽም ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ንኽመፅእ ዋጋ ንዝኸፈሉ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ከምኡ እውን ንስምምዕነት ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ቁርፀኛ ዝነበሩ ፕሬዚዳንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ አፈወርቂ ከምዝቕበሉዎ ገሊፆም።

“ኣስካሕኻሓይነት ኲናት ኣብ ዓውደ ውግእ ብኣካል ተረኺበ ተመልኪተዮ ኢየ” ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ ኤርትራ መንእሰይ ተጋዳላይ ከምዝነበሩ ካብ ተሞክሮኦም ሓቢሮም።

ኣብቲ እዋን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ወታደራትን ንፁሃን ዜጋታትን ህይወት ከምዝሓለፈን እቲ ኲናት ልዑል ምንጋዕ ከምዘስዐበን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ሰላም ርሒቑ ብምፅንሑ ስድራ ቤታት ምፍልላዮምን ብዙሓት ወታደራት ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት መሺጎም ምፅንሖምን ገሊፆም።

ቅድሚ 18 ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኖም ምስተመረፁ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምስምዕማዕ ከቛርፅ ከምዘለዎ ብምእማን ምፍልላይ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ከብቅዕ ኣለዎ ኢሎም ከምዝወሰኑን እውን ተዛሪቦም።

ካብ ንፈላለ፥ ንዘመናት ዝዘልቕ ድልድል ሰላም፣ ምትሕብባርን ሰናይ ምሕዝናን ምህናፅ ከምዘድሊ ብምውሳን፤ ናብ ፕሬዚዳንት ሃገረ ኤርትራ ሕቶ ከምዝቐረበን ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ፅቡቕ ዝበሃል ሰላም ክዓስል ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

ክልቲአን ሃገራት ፀላእቲ ከምዘይኮናን ብኣንፃሩ ናይ ክልቲአን ፀላኢ ድኽነት ምዃኑ ተረዲአን ኣብ ምዕባለ ክልቲአን ሃገራትን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ዘድሃበ ስራሕ ምስራሕ ምጅማረን ተዛሪቦም።

“ነዓይ ምዕሳል ሰላም ምስ ፈልሲ ተኺልካ ምዕባይ ተመሳሳሊ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ተኽሊ ተተኺሉ ንኸዓቢ ማይን ልሙዕ ሓመድን ከምዘድልዮ፤ ሰላም እውን ቅኑዕ ሕልና፣ ዓቢዪ ምልዕዓልን ትዕግስተኛ ምዃንን የድልዮ” ኢሎም።

“ንሰብኣዊነት ዘለና ፍቕሪ አንትውስኽ፥ ዓለም ስለ ሰላም ትርዳእ” ብምባል ኣብ ሰላም ዘለዎም እምነት ኣድሂቦም ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ብዛዕባ ክለሰ ሓሳብ “ምድማር” ኣድሂቦም እውን መብርሂ ሂቦም ኢዮም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment