ሰላም እስተንፋስ ንዘለዎ ኩሉ ፍጡር መረጋገፂ ህልውንኡ ኢዩ – ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም እስተንፋስ ንዘለዎ ኩሉ ፍጡር መረጋገፂ ህልውንኡ ከምዝኾነ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ÷ “ሰላም ንኣፍሪካና፣ ሰላም ንኢትዮጵያና፣ ሰላም ንህዝቢና ዘይንደራደረሉ ህልውና ህዝቢና ኢዩ! ወፂእኻ ምእታው ነረጋግፀሉ መሰረታዊ ድሌትና ኢዩ!! ሰላም ንሕብረተሰብና ሕንቃቐ ዘይኮነስ መዓልታዊ ንሰርሐሉ ጉዳይ ኢዩ!!” ብምባል ገሊፁ።

ሰላም እስተንፋስ ንዘለዎ ኩሉ ፍጡር መረጋገፂ ህልውንኡ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ምኽባር ሰላም ንህዝቢ ልምዓት ንምርግጋፅ ቀንዲ መንገዲ ከምዝኾነ ብፅኑዕ የኣምን ዝበለ እቲ መግለፂ÷ ሰላም ንምኽባርን ንምርግጋፅን ዝኽፈል ዝኾነ ይኹን መስዋእትመነት እናኸፈለ ከምዝርከብ ኣብሪሁ።

“ነዚ ድማ ቆራፅ ቅዋሙ ኣብ ዝገብሮም ውሳነታት ኣረጋጊፁ ኢዩ” ኢሉ።

ሎመቕነ ኣብ መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ ኣምሓራ ብምኽንያ ዘጋጠመ ምንጋዕ ፀፅታን ስእነት ሰላምን÷ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እቲ ክልል ጉድኣት እናበፅሐ ከምዝርከብ መግለፂ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣመልኪቱ።

“ፅቡቕ ንፋስ ሰላም ብምብካል፣ ንዝኾነ ይኹን ሰላማዊ ዝርርብ በሩ ዓፅዩ፣ ብፈኸራ፣ ብዘይሕጋዊ መገዲን ኢሰብኣውነትን ጠበንጃ ተሓንጊጡ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስን ስልጣን ብሓይሊ ንምቁፅፃርን ብቅሉዕ እናተዛረበ ዝርከብ ዘራፊን ሽፍታን እኽብካብ ጉጅለ ከምኡ እውን ዘይሕጋዊ ውዳበ÷ ኣብ ህዝቢን መንግስቲን እቲ ክልል ሰፊሕ ጉድኣት ኣብፂሑ፤ እናብፀሐ እውን ይርከብ” ኢሉ እቲ መግለፂ።

እቲ ፅንፈኛን ዘራፊን እኽብካብ ካብ መንግስቲን መንግስታዊ ውዳበን እቲ ክልል ብምቕፃል ፀላኢ ኢሉ ዝፈረጆን ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ እናነኣኣሰን እናፅላእለኦን ዝርከብ መግለፂ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምዝኾነ ገሊፁ።

ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ኣርማ ሓድነት፣ መግለፂ ሉኣላዊነት፣ ናይ መወዳእታ ዋልታ ህልውና ብምዃኑ÷ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምንካእ ይኹን ብፀላኢ ምምምዳብ ሃገር ምፍራስ ኢሉ እውን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምንካእ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቡ።

“ሰራዊት ምክልኻል ካብ ሓደ መንነት ዝተኣከበ ዘይኮነስ ካብ ኣብራኽ ኩለን እኖታት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ዝተውፃእፀአ ዓምዲ ሉኣላውነት ምዃኑ ዘረጋገፀ ሰራዊት ኢዩ” ኢሉ።

እቲ እኽብካብ ጉጅለ ኣብቲ ክልል ዝርከብ ሓረስታይ ዝሐረሶ ሕርሻ ብዘርኢ ከይሽፍን ኣዝመርኡ ከየዝምር እናገበረ ከምዝኾነን ልዑል ጉድኣት ኮይኑ ከምዝቀፀለን እውን ገሊፁ።

“ጉድኣት ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ናይ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ጉድኣት ኢዩ፤ ሰላም ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ናይ ኩሎም ክልላት ህዝቢ ሰላም ኢዩ፤ ይ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ኢትዮጵያ ሰላም እንትናጋዕ ሰላም ኢትዮጵያ ይናጋዕ” ዝበለ እቲ መግለፂ÷ “ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ነበርቲ እታ ከተማን ከም ቀደሞም ኣብ ጎኒ ህዝቢን መንግስቲን ክልል ኣምሓራ ጠጠው ብምባል ንኢሰብኣዊ ተግባር እቲ መፍረሲ ሃገርን ዘራፊ እኽብካብን ብፅኑዕ ይቃወም!” ክብል ኮኒኑ።

ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ብምባል ከም ወትሩ ደጀንነቱ ከምዘረጋግፅን ሰላም ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምርግጋፅ ተግባር ዘይሕጋውያን ብሕጋዊ ስርዓት ከምዘኽብር ኣፍሊጡ።

እቶም ሓይሊታት ጥፍኣት ካብ ክልል ኣምሓራ ቀፂሉ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ግብረ ራዕዲን ናዕቢን ንምግባር ብዝተፈላለየ መገዲ እናፈተኑ ከምዝርከቡ ተፈሊጡ ኢዩ ዝበለ እቲ መግለፂ÷ እዞም ጉጅለ ጥፍኣታት ባዕሎም ብዝፈሓሱዎ ዛዕባ ናዕቢ ኣዲስ ኣበባን ህዝቢ ኣዲስ ኣበባን መፈፀሚ ዕላመኦም ንምግባር፤ እታ ከተማ ድማ ዓውዲ ጎንፂን ናዕቢን ንምግባር ብተግባር እናተንቀሳቐሱ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ።

ብምዃኑ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መሰል ምንቅስቓሳት ብንቕሓት እናተኸታተለ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝገብርን ህዝቢ ዘሳተፈ ስጉምቲ ከምዝወስድን ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ከም ሃገር ዘጋጠመ እቲ ፀገም ሓበራዊ ርብርብ ዝጠልብ ብምዃኑ÷ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ነባሪ እታ ከተማን ኣብ ጎኒ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል፤ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ህዝቢን ጠጠው ብምባል ከምወትሩ ኣድላዪ ቆራፅ ሓገዝ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ብተመሳሳሊ ዜና÷ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ትፍለጠሎም ዘደንቑ ክብሪታት ሓደ ኣብ ውሽጢ ህዝባ ዝፍጠሩ ዝኾኑ ይኹኑ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ዘይምርድዳኣት ትፈትሐሉ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ምውናና፤ ልዕሊ ሰማኒያ ብሄራትን ብሄረሰባትን ንዘበናት ናፅነታን ሉኣላዊነታን ሓልዮም ኣብ ሓንቲ ጥንክርቲ ሃገረ-መንግስቲ ዘንበሩዋ ሃገር ኢያ” ኢሉ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዘለዉ ብዙሓት ኣማራፂታት ንደሓር ብምባል÷ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይስሩዕ ውዳበ ዝተዓጠቑ ሓይሊታት ካብ ብሄር ብሄረሰባት ዝተሃነፀ ናይ መወዳእታ ድፋዕ፣ ኣርማ ሓድነት፣ ማእገር ሃገርን ዜጋታትን ናይቁርፂ እዋን መኸተ ህዝቢታት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ትንኮያ ዝጀመሩዎ ኲናት ነቲ ምምሕዳር ከተማ ከምዘሕዘኖ ገሊፁ፡፡

እቲ ምምሕዳር ከተማ ከም ቀደሙ ልዕልነት ሕጊ ከምዘረጋግፅን ምስ ኣካላትፀፅታ ብምትሕብባር ትፅቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዝዋፃእ ኣፍሊጡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment