ሰላም ናይ ትግራይ ህዝቢ ፅኑዕ ድልየት ምዃኑ ናይቲ ክልል ነበርቲ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም ናይ ትግራይ ህዝቢ ፅኑዕ ድልየት ምዃኑ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዘራረቦም ናይቲ ክልል ነበርቲ ተዛሪቦም።

ናይ ትግራይ ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ጊዘታት ካብ ዝተገበሩ ኲናታት ዘትረፎ ኪሳራ ጥራሕ ምዃኑ ብምርዳእ እዚ ኩነታት ክድገም ኣይግባእን ኢዮም ዝበሉ።

ነበርቲ ሽራሮ፣ ሽረን ካልኦት ከተማታትን ኲናት ንብዙሓት ሞትን ስደትን፣ ንመሰረተ ልምዓት ዕንወትን ምፍራስን ምኽኒያት ምዃኑ ብምግላፅ ሰላም ናይ ሀዝቢ ምርጫ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተገበረ ናይ ሰላም ስምምዕነት ስዒቡ ካብ ኲናት ፋታ ምርካቦም ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ይቐርብ ከምዘሎን መሰረታዊ ኣገልግሎት ምምላስ ምጅማሮምን ብምሕባር እዚ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ሓቲቶም።

ኩሉ ወገን ንሰላም ቀዳምነት ብምሃብ ናይ ሰላም ኩነታት ንከፅንዕ ኢዮም ዝሓተቱ።

ብኣፈወርቅ እያዩን ለይኩን ዓለምን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment