ሰላም፣ ምትሕብባርን ሕውነትን ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ውፅኢታዊ ስራሕ ተሰሪሑ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ሰላም፣ ምትሕብባርን ሕውነትን ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ÷  ስሩዕ ኣኼቡኡ እናካየደ ኣብ ዝርከብ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ኣቕሪበን፡፡

ኣብ ፀብፃበን ድማ ኣብ 2015 በጀት ዓመት ዝሐሸ ስራሕ ንምስራሕ ዘኽእሉ ቅድመ ምድላዋት ከምዝተሳለጡ ብምሕባር፤ “ሰላም፣ ምትሕብባርን ሕውነትን ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ውፅኢታዊ ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ” ኢለን፡፡

“ፀላኢ ህዝባዊን ሃይማኖታዊን በዓላት ንምህዋኽ ምድላው ይግበር እምበር ውዳበና፣ መላእ ህዝቢመ ሓይሊ ፀፅታን ዝተፈላለዩ ውዳበታትን ኣዋዲድና ብምስራሕና ትልሚ ፀላኢ ምፍሻል ክኢልና” ክብላ ገሊፀን፡፡

1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ህዝቢ ከባቢኡ ንኽሉ ብምውዳብ ሰራዊት ሰላም፣ ኣኽበርቲ ደምቢ፣ ሓይሊ ፖሊስ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብምጥንኻር ሰላምን ፀፅታን እታ ከተማ ምዕዕሳል ከምዝተኸኣለ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment