ሰላምን ፀጥታን ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣውፃእቲ ሕጊ ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ፀጥታን ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣውፃእቲ ሕጊ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንኽዋፅኡ ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ሓቲቶም፡፡

መድረኽ ዘተ ኣውፃእቲ ሕጊ ሃገር ለኸ፣ ክልላትን ክልቲኦም ምምሕዳር ከተማን ኣብ ከተማ ጅማ ይካየድ ኣሎ፡፡

ነቲ መድረኽ ዝኸፈቱዎ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሓበራዊ መድረኽ በቶም ቤት ምኽሪታት ተገሊፁኣብ ሃገራዊ ዛዕባታት ንምዝታይን ተሞኩሮ ንምልውዋጥን ዝዓለመ እዩ፡፡

ሃገራዊ ዘተ ብምክያድ ሰላም ጋህዲ ምግባር ትኹረት እዚ ዓመት እዩ ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ ነዚ ድማ  ቤት ምኽሪታት ዓብዪ እጃም ኣለወን ኢሎም፡፡

ኣብዚ በጀት ዓመት ሃገራዊ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ሰፊሕ ስራሕ ከምዘድሊ ጠቒሶም÷ ሓላፍነት ኣውፃእቲ ሕጊ ጉሉእ ክኸውን ኣገንዚቦም፡፡

ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ወይዘሮ ሰዓዳ ዓብዱረህማን ብግደአን÷ ሃገር ንቕድሚት ንምስጓም ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣውፃእቲ ሕጊ ተመኩሮ ንኽለዋወጡእቲ መድረኽ ሓጋዚ ከምዝኾነ ጠቒሶም፡፡

ብቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣብ ርክብ መንግስታት ዘተ ከምዝግበር ምግላፁ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊፁ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment