ሰላምን ዕርቂን ሃገር ንኽስፋሕፋሕ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዕዙዝ ግደ ኣለዎም – ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ሰላምን ዕርቂን ሃገር ክሰፍሕ ኣብ ምግባር ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎም ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ገሊፆም።

ሓምሻይ ጉባኤ በዓል መዚ ትካላት ማሕበረሰብ ፌዴሪኢ መዳርግቲ ኣካላት ክልላትን ፌዴራልን ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ከምዝገለፁዎ፥ ቅድሚ ሰለስተ ዓማውቲ ንበዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዘመሓድር ማዕቐፍ ሕጊ ንምምሕያሽ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡

ሓዱሽ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝምልከት ኣዋጅ ዝፀደቐ ይኹን እምበር በይኑ ዕዉት ክኸውን ስለዘይኽእለ ምስ ክልላት ብምውዳድ ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾ ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment