ሰላምን ምዕባለን ንምዕዋት ዘኽእሉ ትካላት ፀፅታን ድሕነትን ተሃኒፆም ኢዮም – ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ድሕንነትን ብምርግጋፅ ዝተሓሰ ምዕባለ ንምዕዋት ዘኽእሉ ትካላት ፀፅታን ድሕነትን ከምዝተሃነፁ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ጉዕዞ ዓወትን ለውጢን ሓሙሽተ ዓመት ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዝዝክር መርሃ ግብሪ ተሳሊጡ።

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ኣርባዕቲኦም መኣዝናት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ሃገሮም ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምትሐድብባር ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ዝኸፈሉ ኣባላት ፖሊስ ዝምስገኑሉ ኢዩ።

ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ÷ ስግኣት ገበን ኣቐዲሙ ብምፍሻል እንተኣጋጢሙ ድማ ገበነኛታት ተኸታቲሉ ናብ ሕጊ ብምቕራብ ህዝቢ ዝሃቦ ሓላፊነት ብብቕዓት አርናተዋፅአ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ብምምፃእ ዝተሓሰበ ምዕባለ ንምዕዋት ዘኽእሉ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ከምዝተሃበፁ እውን ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል መላኩ ፋንታ ብግደኦም÷ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዘጋጠሙ ማሕለኻታት ሰላም ንምፍታሕ ጥንኩር ኣወዳድባ ብምፍጣር ህዝቢን መንግስቲን ዝሃቡዎ ልኡኽቶ ብብቕዓት እናተዋፅ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ሃገር ንምፍራስ ዝንቀሳቐሱ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ናይ ምውጋእን ስግኣታት ምምካንን ስራሕቱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com   

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment