ሰላምን ምዕባለን ንምምፃእ እንተተደልዩ ኲናት ጠጠው ክብል ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላምን ምዕባለን ንምምፃእ እንተተደልዩ ኲናት ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተልዓሉሎም ሕቶታት ብዛዕባ ስምምዕነት ሰላም ኣመልኪቶም ምላሽን መብርሂን ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መብርሂኦም÷ “ኩሉ ግዘ እናተዋጋእኻምንባር ኣይከኣልን፤ ሰላምን ምዕባለን ንምምፃእ እንተተደልዩ ኲናት ጠጠው ክብል ይግባእ” ኢሎም፡፡

“ናይ ሰላም ሕማቕ ናይ ኲናት ፅቡቕ የብሉን” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ኲናት ኩሉ ግዘ ሕማቕ ኢዩ፤ ሰላም ኩሉ ግዘ ፅቡቕ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣብ ሓድነት፣ ሉኣላዊነትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ዝፈታተን እንተሃሊዩ ግን ናብ ኲናት ምእታው ናይ ግድን ክኸውን ከምዝኽእልን ኢትዮጵያ ዝገበረቶ እውን እዚ ከምዝኾን ኣብሪሆም፡፡

“ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ኲናት ኣየድሊን፤ ህዝቢ ትግራይ ድምፂ ጥይት ክሰምዕ ኣይግባእን ኢልና ነይርና፤ ኩሉ እዋን ንሰላም ድሉዋት ኢና” ኢሎም፡፡

ካብ ሰላም ኢትዮጵያ ከምዘትረፈት ብምሕባር፤ መብዛሕትኡ ካብ ሰላም ኣትራፊ ከምዝኸውን፡፡

ሰላም ዝፀልኡ ናይ ኲናት ነጋዶ ከምዘለዉን እውን ገሊፆም፡፡

ሰላም ንምምፃእ ብምዝርራብን ምድምማፅን ኣብ ምትእምማን ምብፃሕ ይከኣል ኢዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ÷ “ኣእምሮና ዝመገብናዮ ስለዝቅበል ብዛዕባ ረብሓ ሰላም ክንነግሮ ይግባእ፤ ከምዚ እንተገይርና ሰላም ክመፅ ይኽእል ኢዩ” ኢሎም፡፡

“ሰላም ማለት ህጊን ስርዓትን ምኽባር ማለት ኢዩ፤ ሕጊን ስርዓትን ኣብ ሃገርና ንኽኽበር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዝርርብ ጎዳኢ ኣይኮነን” ክብሉ ኣብሪሆም።

ብዙሕ ግዘ ድሕሪ ድርድር ብስእነት ምትእምማን ድርድራት ከምዝፍሽሉን በቢቦትኡ ፀገማት የሃልዉ እምበር ብምዝርራብ ንምፍታሕ ድሉው ምዃን ከምዝግባእን ኣገንዚቦም።

“ዝኣተናዮ ቃል ብምሕላውን ሰላም ክዓስል ንምግባርን ንተግባራዊነቱ በርቲዕና ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም፡፡

“ንሰላም ምትጋህ፣ ምስራሕን ሰላም ኽረጋገፅ ምፅዓርን የድሊ” እውን ኢሎም።

ምስ ግብረ ራዕዲ ተደራዲርኩም ዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ÷ “እቲ ዝወፅአ ኣዋጅ ምስ ግብረ ራዕዲ ኣይትደራደሩ ኣይብልን፤ ንግብረ ራዕዲ ኣይተሰልጥን፣ ኣይትወድብ ኢዩ ዝብል” ክብሉ ኣብሪሆም።

“ጋዜጠኛታት ብምእሳር ዝርከብ ረብሓ የለን፤ ይኹን እምበር ሕጊን ስርዓትን መሰረት ተገይርካ ምስራሕ ይግባእ” ኢሎም

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ብኵናት ዝተጎድኡ ከባቢታት እግሪ ኣብ ምትካል መልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ “ኣቐዲምና ንሰርሖ ነገር ዝተጎድኡ ዜጋታት ምግቢን ማይን ክረኽቡ ምግባር ኢዩ፤ ካልኣይ ስራሕ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ምፅጋንን ኣገልግሎት ክህቡ ምግባርን እንትኸውን፤ ሳልሳይ ደረጃ ድማ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ምምላስ ኢዩ” ኢሎም፡፡

እዞም ስራሕቲ ተጠናኺም እናቀቐፀሉ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም::

ወልቃይት ብዝምልከት ሕቶ ህዝቢ ወልቃይት ከምቲ ዝውረ መንግስቲ ኢድ ከምዘይብሉ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ኣብ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብዛዕባ እዚ ዝተብሃለ ነገር የለን” ኢሎም።

“ህዝቢ ወልቃይት ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ንኽውስን ዴሞክራሲያዊ ዕድል ንኽጥቀም ክንገብር ኢና” ብምባል ገሊፆም።

“ብህወሓት ብሓይሊ ከምዝተወሰደ ሕዚ ድማ ንሕና ብሓይሊ እንተወሰድናዮ ዘላቒ መፍትሒ ኣየምፅእን” ብምባል÷ ብዛዕባ እቲ ከባቢ ዝለዓሉ ቤላ ቤሎታት ጠጠው ክብሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣቢይ ብዛዕባ ሸኔ ዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ “ሸኔ ኣሸንኳይ ንዓና ንዝጋልቡዎ ኣካላት እውን ኣፀጋሚ ጉጅለ ኮይኑ ኣሎ” ኢሎም፡፡

ንኦሮሞ ኢየ ዝቃለስ እናበለ ህዝቢ ኦሮሞ እናቐተለን ኦሮሚያ እናዕነወን ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

“ብግብረ ራዕዲ ዝርከብ ክብሪን ዴሞክራሲን የለን፤ ዘላቒ ሰላም ምምፃእ ኣይከኣልን” ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment