ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰለስቲኣዊ ድርድር ህዳሰ ግድብ ብቤት ምኽሪ ፀፅታ እንተይኮነስ ብሕብራት ኣፍሪካ ኢዩ ዝረአ ክብሉ መክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ተዛሪቦም።
ኣይተ ደመቀ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መቐመጢኦም ምስ ዝገበሩ ኣምባሳደራት ሃገራት ተፋሰስን ዲፕሎማትን ተዛቲዮም።
ግድብ ህዳሰ ንታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ብዘይጎድእ መገዲ ብፍትሓውነትን ምኽኒያታውነትን ዝረብሕ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ሱዳንን ግብፅን ብዘይግባእ መልክዑ ድርድር ህዳሰ ግድብ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታን ኣባል ሃገራት ሊግ ዓረብን ብምውሳድ ዓለም ለኻዊን ጉዳይ ድሕንነትን ከምዝገበርኡ ተዛሪቦም።
ከልቲአን ሃገራት ግደ ሕብረት ኣፍሪካ ኣታሒተን ብምርኣይ ዝጀመርኡ ምንቅስቓስ ደው ብምባል እቲ ጉዳይ ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ንከምፅእኡን ኣካይዳ ዘበነ ባዕዳዊ ግዝኣት ደው ንከብላን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እቲ መድረኽ ዘተ ሰለስቲኣዊ ድርድር ህዳሰ ገድብ ዝበፅሐሉ ብርኪ ብዝምልከት ነተን ሃገራት መብርሂ ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።