ሰለስተ ፕሮጀክት ገበታ ንሃገር ዘለውሉ ኩነታት ብዝምልከት ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰለስተ ፕሮጀክት ገበታ ንሃገር ዘለውሉ ኩነታት ብዝምልከት ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ መዓልቲ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ እቶም ፕሮጀክትታት ናይ ዝፍፀሙሎም ክልላት ርእሳነ ምምሕዳር፣ ሚኒስትራትን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ እቶም ፕሮጀክትታት ዝበፅሑሉ ብርኪ ክግምገመሉ ዝነበረ እዋን ኣቐዲምካ ክኸውን ዝግበኦ እኳ እንተኾነ ብምኽኒያት ኣብዛ ሃገር ዘጋጠመ እዋናዊ ኩነታት ክጓተት ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም።

ኣብ ሰለስቲኦም ፕሮጀክትታት ኣብዚ ሐዚ እዋን ብመንግስቲ ፌዴራል ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ምቕፃል ብዋናነት ከም ኣብነት ዝውሰድ ኢዩ ኢሎም።

ክልላት ኣብ ቀፃሊ ምስ ሰብ ሃፍቲ ብምዃን ከምዝሰርሑ ድማ ገሊፆም።

እቶም ፕሮጀክትታት ኣብ ዝስርሑሎም ዘለዉ ክልላት ሰፊሕ ድልየት ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣምሓራን ካብ ህዝቢ ዝለዓሉ ሓሳባት ብዙሓት ከባቢታት ንክለምዑ ዝሓቱ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

እቶም ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ክሳብ ዝዛዘሙ መንግስቲ ፌዴራል ከምዝመርሖም ብምግላፅ፥ ንቐፃሊ ኣብ ክልላት ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት እቶም ክልላት ከምዝመርሕዎም መንግስቲ ፌዴራል ድማ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ  ኣረዲኦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment