ሮማኒያ ምስ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለዋ ምትሕብባር ምጥንኻር ከምእትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሮማኒያ ምስ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለዋ ምትሕብባር ምጥንኻር ከምእትደሊ ገሊፃ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣምባሳደር ሮማኒያ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ጁሊያ ፓታኪ ዘቲዮም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ክልቲኣዊን ኩለመዳይ ምትሕብባርን ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ርክብ ከምዘለወን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ እቲ ዘሎ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብራኸ ነምብፃሕ ድልየት ከምዘለዋ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ጁሊያ ፓታኪ ብግደአን፥ ሃገረን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሰላም፣ ልምዓት፣ ትምህርቲ፣ ውሕስነት ምግቢን ሓለዋ ከባቢን ዘለዋ ርክብ ክብ ንምባል ባህጊ ኣለዋ ምባለን ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment