ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ሉሜ ኣጀሚሮም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር ሽመለስ ኣብዲሳ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ፌዴራልን ተረኺቦም፡፡
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 400 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ፡፡
ኣብቲ ክልል ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ እዚ ዓመት 4 ነጥቢ 35 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝትከሉ ካብ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com