ርኽክብ 5 ሺሕን 910 ፓምፕን ጄኔሬተርን ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)እቶት ንምስስን ብመሰረት ዝተውሃበ ትኹረት ትማሊ ርኽክብ 5 ሺሕን 910 ፓምፕን ጄኔሬተርን ተኻይዱ።

ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ዝህሉ ፅዕንቶ ንምቕናስ መእንታን ክከኣል ንዓውዲ መስኖ ካብ ዝተሰለዐ 16 ቢሊየን ብር ብተወሳኺ 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ተበጂቱ።

እቲ ድጋፍ ን4 ሺሕ ሓረስቶት ዝባፃሕ እንትኸውን፥ ልዕሊ 23 ሺሕ ሄክታር መሬት ብመስኖ ብምልማዕ ፍርቂ ሚሊየን ዜጋታት ተረባሕቲ ክገብር ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

ኣብ 22 ከተማታት ዘሎ ኣቕርቦትን ሳኒቴሽንን ፅሩይ መስተ ማይ ንምምሕያሽ ዝውዕሉ 53 ዘመናዊ ተሽከርከርቲ ንክልላት ተበርኪቱ።

እቲ ድጋፍ ዘበርከቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ዝሓሸ እቶት ንክንረክብ እቲ ደገፍ ኣብ ረብሓ ክውዕል ይግባእ ኢሎም።

ክልላት እውን እቲ ዝተገበረ ደገፍ ኣብ መዓልኡ ከውዕሉ ይግባእ ብምባል ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ቀፃሊ እቲ ደገፍ ብምጥቃም ዝሓሸ እቶት ንዘረጋገፁ ክልላት ዝሓሸ ዘመናዊ እታዎታት መስኖ ብመልክዕ ሽልማት ከምዝብርከተለን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment