ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ከልቲኣዊን ኩለ መዳይን ርክብ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ብምውዳድ ምንቅስቓስ ከምዝግባእ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣተሓሳሲቦም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ መልላእ ዓለም ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ኤምባሲታትን ቆንስላ ጄነራልን ኢትዮጵያ ብኢንተርኔት ዘቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ርክብ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ብምውዳድ ምንቅስቓስ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን እዋናዊ ከይዲ ጂኦ-ፖለቲካ ዓለም ኣብ ግንዛበ ብምእታው ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዝሓሸ ኩነታት ንምሕላው ጠመተ ተዋሂቡ ምንቅስቓስ ትፅቢት ይግበረሎም ክብሉ ኣገንዚቦም።