ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ዘሎ ርክብ ናብ ዝነበሮ ኩነታ ንምምላስ ዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣመራርሓታት ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ከምኡ እውን ቢሮ ትራንስፖርት እተን ክልላት ተረኺቦም፡፡
ኣማኻሪ ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ካይዳኪ ገዛሀኝ ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ብዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምዝዛሙ መንግስቲ በቲ ኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊሶም ንኽጣየሹ ንምግባር እናሰርሐ ይርከብ።
እቲ ስምምዕነት ሰላም ንኽፀንዕን በቢብርኩ ዝርከቡ ሴክተር ቤት ዕዮታት ምይይጥ ምክያድን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክገብሩን ከምዘለዎም ብምሕባር÷ ህዝቢታት ሰለስቲአን ክልላት ብትራንስፖርትን ካልኦት ጉዳያትን ንኽቀራረቡ ምስራሕ ከምዝድሊ ኣገንዚቦም፡፡
ሰነድ ፅንሰ ሓሳብን ኣተገባብራን ”ኣዋጅ ርክብ መንግስታት”ን ብሓላፊ ዴስክ ርክብ መንግስታት ሚኒስቴር ሰላም ኣይተ ግርማ ቸሩ ኣቢሉ ነቲ መድረኽ ቀሪቡ።
ዘተ እቶም ሓለፍቲ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ትራንስፖርትን ሰለስቲአን ክልላት÷ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ኣድሂቡ እነተኻየደ ከምዝርከብ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።