ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ንምጥንኻር ዝዓለመ ጉዕዞ ባቡር ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
ትካል በይነ መንግስታትልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ን ኤምባሲ ኢትዮጵያን ኣብ ዘሰናድኡዎ ጉዕዞ 100 ዝኾኑ ልኡኻት ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ክጓዓዙ እዮም።
ዕላማ እቲ ጉዕዞ ኣመልኪቶም መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ፥ እቲ ጉዕዞ ብዙሓት ረብሓታት ከምዘለዉዎ ገሊፆም።
ታሪኻዊ ርክብ ክልቲኦም ህዝቢታት፥ ብባህሊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚን ንምጥንኻር ዕዙዝ ረብሓ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ካብ ካልኦት ኣባል ሃገራት ብዝተፈለየ ፅቡቕ ርክብ ዘለወን ክልቲአን ሃገራት ኣብ መሰል ተግባራት ከጠናኽራ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡
ብኣዲስ ታምራት
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com