ርክብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ሰልጣን ኣምባሳደርን ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሙክታር ከድር ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኬሲ ማሼጎ ድላሚኒ ኣብ ከልቲኣዊን ሃገራዊን ጉዳያት ዝጠመተ ዘተ ኣካይዶም።

ኣምባሳደር ሙክታር ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት እቲ ጎንፂ ንክውላዕ፣ ንክጋደደን መፍትሒ ንከይህልዎን ብምግባር ሃገር ናይ ምንጋዕ እኩይ ተግባሩ ይቕፅል ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብኣንፃሩ ንማሕበረሰብ ዓለም ደላዪ ሰላም መሲሉ ብምቕራብ ናይ ምድንጋር ተግባሩ ይቕፅል ኣሎ ኢሎም።

ኬሲ ማሼጎ ድላሚኒ ብግደአን፥ሰላም ኢትዮጵያ ንቀርኒ ኣፍረካ ኡሉ እውን ኣህጉር ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢለን።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንሳልሳይ ግዘ ዝኸፈቶ ኲናት ንደቡብ ኣፍሪካ ከምዘተሓሳስባ ብምግላፅ፥ ሃገረን እቲ ጎንፂ ደው ብምባል ሰላን ንክነግስን እቲ ጉዳይ ብድርድር መፍትሒ ንክህልዎን ባህጊ ከምዘለዋ ምግላፀን ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment