ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ ኢትዮጵያን ህንዲን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ተሳሊጡ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ህንበዲ ፍሰሃ ሻወል ደብዳበ ሹመቶም ንፕሬዚዳንት ህንዲ ዶውፓዲ ሙርሙ ኣቕሪቦም።
እቶም ኣምባሳደር ካብ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ንፕሬዚዳንት ህንዲ ዝተልኣኸ ደብዳበ ኣብፂሖም።
እቶም ኣምባሳደር ምስተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሓበራዊ ተረባሕነት ዓውዲ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ልምዓት ሓይሊ ሰብን መሰረት ዝገበረ ብዙሕ ዓማውቲ ዘቑፀረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብ ቀፃሊ ሓበራዊ ፀገማትና ንምፍታሕን ዘላቒ ልምዓት ንምንጋስን፥ ኣብ ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂ፣ ግብርና፣ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ብዝበለፀ ምትሕብባር ምግባር ይግባእ ተባሂሉ።