ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣይተ ሓሰን ሙሓሙድ ብኣምባሳደር ሶማሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዱላሂ ኣህመድ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም፡፡
እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ክልቲአን መሓዙት ሃገራት ዘተኣሳስሩወን ብዙሓት ምንቅስቓሳት ንግዲ ከምዘለዉ ብምፅራሕ፥ ነዚ ጥቡቕ ምትእስሳር ናብ ሓበራዊ ተረባሕነት ምቕያር ይግባእ ኢሎም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብታ ሃገር ዘበናዊ፣ ቅልጡፍን ኣብ ውድድር ዝተመርኮሰ ስርዓት ንግዲን ብምፍጣር ርክብ ንግዲ ወፃኢ ንምድንፋዕ ትልሚ ሒዙ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡
ኣምባሳደር ሶማሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዱላሂ ኣህመድ ብግደኦም፥ መንግስቲ ሶማሊያ ክልቲአን ሃገራት ብንግዲ ንምትእስሳር ዝግበር ፃዕሪ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ቆራፅ ቅዋም ኣለዎ ኢሎም፡፡
ምትእስሳር ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ንምቅልጣፍን ብቅልጡፍ ናብ ተግባር ንምእታው ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ተዘራሪቦም ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።