ርክብ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ንምጥንኻር ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ንምጥንኻር ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ ብሚኒስቴር ሰላም ዝተሰናድአ እንትኸውን፥ ምሁራን፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ስሙያት ሰባትን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኩለ መዳይ ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ንምጥንኻርን ንምምዕባልን ዝረብሕ ሓሳብ ካብ ምሁራን ብምቕራብ ልዝብ ክግበረሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

መድረኽ ዘተ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ንካልኣይ ግዘ ዝካየድ ዘሎ እንትኸውን፥ ንሃገር ዝረብሑ ሓሳባት ኣብቲ መድረኽ ክቐርቡ ኢዮም ተባሂሉ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment