ርእሳነ ምምሕዳር ዝተፈላለያ ክልላት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኦሮሚያ፣ ደቡብ፣ ኣምሓራን ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ተስፋ ብምቑራፅ ኣብ ቀፅሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ስጉምቲ እናወሰደ ይርከብ ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዝተዓጠቑ ሓይታት ብመሳርሒታት ኲናትን ገንዘብን ብምሕጋዝ ሰላም እናሃወኸ ከምዝፀንሐ ኣገንዚቦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ “ህወሓት ዝኸፈቶ ኲናት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራልን ህዝባዊ ውዳበን ጠጠው ብምባል ኣብ ሓፂር እዋን ብምፅራይ ሰላም ህዝቢ ንምርግጋፅ ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም።
ህዝቢ እውን ኣብ ጎኒ ውዳበ ፀፅታ ጠጠው ንኽብል ፃውዒ ኣቕሪቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው፥ ሕብረተስብ ሰላም ከባቢኡ ንምሕላው ብዕቱብ ክሰርሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ዘሃቡዎ መግለፂ፥ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኢትዮጵያ እናመርሐ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብታሃገር ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ጉዳያት ብዙሓት ፀገማት ንኽፍጠሩ ምኽንያተ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ኣፍሪካ ደጀን ኣብ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ብምፍናውን ሃገር ብምፍራስን ብኣቋራጭ ስልጣን ንመሓዝ ብምሕሳብ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ፥ መንግስቲ እናተቖፃፀሮ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ኢትዮጵያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ መንግስቲ ክልል ደቡብ ከምዝኹንኖ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣፍሊጦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩ ነህ ብግደኦም፥ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ሶሮቃን ቅርቃርን ዝገበሮ ፈተነ ውግእ ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ከምዝፈሸለ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ብመንግስቲ እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ቀፅሪ ሰራዊት ምክልኻልን ዝተፈላዩ መሰረተ ልምዓታት ዝርከቡሎም ከባቢታትን ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ምስ ሚሊሻ ብምውዳብ መጥቃዕቲ ኣብፂሑ ኢሎም።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ እውን ህወሓት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ኮኒኑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment