ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ንብዓል ፋሲካ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ንብዓል ፋሲካ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ፥ ሰባት እቲ ብዓል እንተኽብሩ ነዝተፀገሙ ወገናት ብምድጋፍ ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ትንሳኤ ክርስቶስ ኣርኣያ ነፃነት፣ ትዕግስቲ፣ ፅንዓት፣ መስዋእትነት፣ ይቅርታ፣ ምትሕስሳብን ምድግጋፍን ኢዩ” እውን ኢሎም።

መንግስቲ እቲ ክልል ብምኽኒያት ኲናትን ዝተፈላለዩ ጎንፂታትን ተመዛቢሎም ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ ወገናት እቲ ብዓል ብሓድነትን ሓጎስን ንከሕልፍዎ ደገፍ ከምዝገብር ቃል ኣቲዮም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ እርስቱ ይርዳ ብግደኦም፥ ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንብዓል ፋሲካ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቲ ብዓል እንትነኽበር ብተፈጥሮ ይኹን ሰብ ስራሕ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምድጋፍ ክኸውነ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዶክተር ነጋሽ ዋጌሾም፥ “እቲ ብዓል ብዛዕባ ፍቕሪ ደቂ ሰባት ኣብ መስቀል ብዝተኸፈለ ዋጋ ዝተረኸበ ኢዩ” ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

እንትኽበር ድማ ማሕበራዊ ሓድነት ብምጥንኻር፣ ብምፍቓር፣ ብምክብባር፣ ንዓቕሚ ዘይብሎምን ኣረጋውያንን ብምድጋፈን ብምኽባርን ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment