ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ንበዓል ልደት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ዝተፈላለያ ክልላት በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝቢታ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ርስቱ ይርዳን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉን ንበዓል ልደት እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝቢታ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “እቲ በዓል እንትነኽብር ብምፍታውን ብምፍቓርን፣ ቂምን ተንኮልን ካብ ልብና ብምውጋድ ሕውነት ብዘጠናኽር መልክዑ ክኸውን ይግባእ” ኢሎም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ርስቱ ይርዳ÷ ዝተረኸበ ዕድል ሰላም ብምጥቃም ድሌት ምልማዕን ምምዕባልን ህዝቢ ንምዕዋት ብዕቱብ ዝስረሐሉ እዋን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

በሌላ በኩል የጋምቤላ ከልል ርዕሰ መስተዳደር ኡሞድ ኡጁሉ ባስተላለፉት የእንኳን አደረሳችሁ መልዕክት÷ የገና በዓል የእምነቱ ተከታዮች መንፈሳዊ እሴቶቻቸውን የሚያዳብሩበት፣ ተቻችለውና ተከባብረው በጋራ መኖርንና መሥራትን ለመላው የዓለም ሕዝብ የሚያሳዩበት ታላቅ በዓል ነው ብለዋል

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ድማ÷ በዓል ልደት ተኸተልቲ እቲ እምነት መንፈሳዊ ክብሪታቶም ዘደንፍዑሉ፣ ተኸኣኢሎምን ተኸባቢሮምን ብሓር ምንባርን ንመላእ ህዝቢ ዓለም ዘርእዩሉ ዓብዪ በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ በዓል ልደት ምኽንያ ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እውን÷ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንዝነብሩ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ልደት ኣብፀሐኩም ኢሎም፡፡

እቲ በዓል እንትነኽብር ልብና ንይቕሬታ ክፍቲ ገይርና ሰላምን ሕውነትን እናሰበኽና ክኸውን ይግባእ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ብግደኦም÷ በዓል ልደት ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ዘለዎ ትርጉም ዕዙዝ ከምዝኾነ፤ ፅላሎት ፀልማት፣ በደልን ሞትን ተሳዒሮም ብሩህ ተስፋ፣ ናፅነት፣ ፍቕሪን ንኩሎም ደቂ ሰባት ዘላለማዊ ሰላም ዝተረኸበሉ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment