ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ብሕልፈት ብሕልፈት ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ብሕልፈት ብሕልፈት ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብን ብሕልፈት ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡

እቶም ርእሳነ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም÷ ንዕቤት ጥበብን ስልጣነን ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ዘበርከተ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመፃ ወለዶ ኣብነት ኮይኑ ዝሓለፈ ኣርቲስት ኣብሪሆም።

ንኣዝማዱ፣ ንፈተውቱን ኣድነቕቱን እውን ፅንዓት ተመኒዮም።

ልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ዝፀንሐ ድምፃዊ ዓሊ ቢራ÷ ብዝሓደሮ ሕማም ብሕክምና እናተሓገዘ ፀኒሑ ትማሊ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment