ርእሳነ-ምምሕዳር ክልላት በዓል ጥምቀጥ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ-ምምሕዳር ክልላት በዓል ጥምቀጥ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ በዓል ጥምቀት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ሓድነት ብምጥንኻር፣ ድልድል ዕርቂን ይቕሬታን ብምህናፅ ናፅነት ሃገር ንምኽባር ብቖራፅነት ክንሰርሕ ኣለና” ኢሎም።

ዝተኸዘኑ ፀገማት ተፈቲሖም መፃኢ ወለዶ ሰላማዊትን ናፃን ሃገር ከምዝወርስ ብምግላፅ÷ ምስ ህዝቢ ብምዃን እናተሰርሑ ብዝርከቡ ስራሕቲ ዓበይቲ ዓወታ እናተመዝገቡ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው ኣብ መልእኽቶም÷ በዓል ጥምቀት ፍቕሪ፣ ምትሕስሳብ፣ ሓድነትን ካልኦት ሰናይ ማሕበራዊ ክብሪታትን ጎሊሆም ዝረኣዩሉ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቲ በዓል ንምኽባር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ከምዝተወገኑ ብምሕባር፤ እቲ እዋን በቢእዋኑ ንዘጋጥሙ ፈተናታት ኢድ ካብ መሃብ ሓድነት ብምጥንኻር ህልውና ሃገር ንምቕፃል ዝተፈለየ ዕድል ዝርከበሉ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ክልል ሃረሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ÷ ህዝበ ክርስቲያን እቲ በዓል እንተኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምብላዕን ብምስታይን ከምኡ እውን ብዝተለመደ ባህሊ ምትሕግጋዝን ምትሕዝዛንን ብምትግባር ንኽኸውን ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉ ብግደኦም÷ ሕብረተሰ እቲ በዓል እንተኽብር ከምቲልሙድ ባህሉ ዘለዎ ንዘይብሉ ብምድጋፍን ብምሕጋዝን ብምጥንኻር ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ ሓድነት፣ ምትሕስሳብ፣ ደስታን ፍቕሪን ንኽኸውን እውን ተመኒዮም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment