ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት መበል 1 ሺሕን 444 በዓል ዓረፋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ፅባሕ ዝኽበር መበል 1 ሺሕን 444 በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ዓረፋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ንዝተፀገሙ ወገናት መኣዲ ብምክፋልን ዝተፀገሙ ብምሕጋዝን ክኽበር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰን ብግደኦም÷ ህዝበ-ሙስሊም ከም ቀደሙ ሓራዊ ሓድነቱ ብምጥንኻር እምነቱ ብዝእዝዞ መሰረት ብምግባር ዓቕመ ደካማታት ብምርዳእን ንዘይብሎም ብምክፋልን እቲ በዓል ንኸኽብር ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

“እቲ በዓል እንትነኽብር ኩሎም ፈተናታት ብፅንዓት ብምሕላፍ፣ ሰናይ ተግባር ብምፍፃም፣ ሰላምን ፀፅታን ከባቢና ክዓስል ኣብ ምግባር ብፅሒትና ብምውፃእ ክኸውን ይግባእ” ኢሎም፡፡

እቶም ርእዕሳነ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም÷ በበዓል ዒድ ኣል ኣድሃ በዓል ሰላም፣ ፍቕሪን ሓጎስን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም፡፡

ክልላዊ መንግስቲ ሃረሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ ህዝበ ሙስሊም በዓል ኢድ ኣል-ኣደሃ እንተኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምብላዕን ዝፀምኡ ክሰትዩ ብምግባርን ዝተለመደ ባህሊ ምትሕዝዛንን ምርድዳእን ብምትግባር ንኽኸውን ፀዊዑ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “በዓል ኢድ ኣል ኣደሃ (ዓረፋ) ብፍቕሪን ሓድነትን ንኽኽበር ህዝበ ሙስሊም ሕውነቱ ክሕሉ ኣለዎ” ኢሎም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment