ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ÷ “ንቕበሎ ሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ግዝፈት ሃገርና ነረጋግፀሉ ንኽኸውን ኩሉ ብፅሒቱ ክዋፃእ ይግባእ” ኢሎም።

ምኽዛን ፀገማት ፖለቲካ፣ ድኽነት፣ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ዘይምርግጋእ ፀፅታን ንጉዕዞ ልምዓት ዕንቅፋት ኮይኖም ምፅነሖም ኣብሪሆም።

እዞም ፈተናታት የሃልዉ እምበር ኢትዮጵያ ተምሳሌት ምዕባለ ኣፍሪካ ንምግባር ዝተገበረ ጉዕዞ ዓወት ምምፃእ ከምዝተኽኣለ ፀሪሖም።

ሓዱሽ ዓመት ኣብ ባህሊ ሰራሕና መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ቃል ዝእተወሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ጥንኩር ስርዓት ንሃንፀሉን ተረባሕነት ህዝቢ ዝረጋግፀሉ እዋን ከምዝኾነ እውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው ብተመሳሳሊ÷ ሓዱሽ ዓመት 2016 ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ÷ “ኣብ ሓዱሽ ዓመት መንፈስ ምትሕብባርን ሰናይ ተግባርን ብምድንፋዕ ኣብ ዝተፈላለዩ ፅዕንቶ ናብራ ዝርከቡ ወገናት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ንምቅላል ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ” ኢሎም፡፡

መንግስቲ እቲ ክልል÷ ዓቕሚታት ህዝቢ፣ ፀጋታት እቲ ከባቢን ካልኦት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዓቕሚታትን ክብሪታትን ብምትሕብባር ሓደሽቲ ለውጢታት ንምምዝጋብ ከምዝስራሕ ኣብሪሆም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ(ዶ/ር ኢ/ር)÷ ”ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “እዚ ዓመት ብሓዱሽ መንፈስ፣ ኣተሓሳስባ፣ ሕብረት፣ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ብዝበለፀ ብምጥንኻር ሃገርና ንምልዋጥ ንለዓለሉ ንኽኸውን ይምነ” ኢሎም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ÷ “ዝቕፅል ዓመት ሓይሊታት ፀረ-ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝዘርግሑልና መርበብ በታቲኽና መፃኢ ተስፋ ኢትዮጵያ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ንተግሀሉ፣ ድኽነትን ኲናትን ዳግም ከምፅኡልና ዝፅዕሩ ፅንፈኛ ሓይሊታት ሽርሖም ዝኽምበተሉ ክኸውን ኢዩ” ኢሎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ድማ÷ ሓዱሽ ዓመት ኩለመዳይ ዕቤት ሃገርና ንምምፃእ ንተግሀሉ፣ ናይ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ምትሕስሳብን ሓድነትን ዓመት ንኽኸውን ይምነ” ክብሉ ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉ ንሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኣብቲ ክልል ሰላም ንምርግጋፅን ልምዓት ክቕፅል ንምግባርን እናተወገኑ ምስ ዝርከቡ ስራሕቲ ጎድና ጎድኒ ንረብሓ ሕብረተሰብ ተጀሚሮም እንተይተዛዘሙ ዝፀንሑ ፕሮጀክታት ንምዝዛም ከምዝስራሕ ገሊፆም፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ እውን ንሓዱሽ ዓመት 2016 መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን።

እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን÷ “ክንቅበሎ ኣብ ዝተሰናዳእና ዓመተ 2016 ሓዱሽ ተስፋ ንሰንቀሉ፣ ሓደሽቲ ውጥናት ንምዕዋት ንተግሀሉ፣ ዝጎደለ ኩሉ ዝምለአሉ፣ ዘይከኣል ዝመሰስል ኩሉ ከም ግድብ ህዳሰና ተኻኢሉ ደስታ ንገብረሉ ከምኡ እውን ሰላምና መሊኡ ዝፈስሰሉ ናይ ለውጢን ዓወትን ዓመት ንኽኸውን ይምነ” ኢለን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment