ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ሓዊሱ ሚኒስትራት፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ናዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ወፍሪ ህልውናን ምኽባር ሕጊን ንዝተሳተፉ ኣካላት ፀፅታ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ንምስታፍ ናብ ባህርዳር ኣቲዮም።
ነቶም ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ሚኒትራትን፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ጌታቸው ጀምበርን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ በላይ ዘለቀ ተረኺቦም ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሃገር ንምፍራስ ዝኸፈቶ ኲናት ኢትዮጵያውያን ሓድነቶም ብምጥንኻር መገዲ ጥፍኣቱ ኣፈሺሎም ኢዮም።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘሰናድኦ መርሃ ግብሪ ምስጋናን ኣፍልጦን፥ ንኣካላት ፀፅታ፣ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ትማሊ ምሃብ ከምዝጀመረ ይፍለጥ፡፡
ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውናን ዝለዓለ ኣፈፃፅማ ንዘዘመዝገቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኃል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ፖሊስ፣ ፋኖ፣ ሚሊሻን ኣብ ፃውዒት ክተት ንዝተሳተፉ ህዝባዊ ሓይሊን ኣፍልጦ ከምዝወሃብ ኣሚኮ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።