ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን መንግስታትን ንበዓል ጥምቀት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን መንግስታትን ንበዓል ጥምቀት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ብመሰረት እዚ ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ንመላእ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ዘመሓላለፉዎ መንእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ ጥምቀት ንደቂ ሰባት ዓቢዪ ኣስተምህሮ ከምዘለዎ ኣልዒሎም።

ኣመንቲ በዓል ጥምቀት ተሓሳቢ ብምግባር ይቕሬታ፣ ሰላም፣ ምትሕስሳብ፣ ሓድነት፣ ሓደሽ ተስፋ ህይወት ንምምህሃር እቲ በዓል ብሕብረት ከምዝዕደሙ ኣመልኪቶም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ንተኸተልቲ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ዘመሓላለፉሉ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፥ በዓል ጥምቀት ንምኽባር ብዙሓት ሰባት ሰባት ኣብ ከተማ ጎንደር ከምዝተረኸቡ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ሰላ እቲ ክልል ዝተረጋገፀ ምዃኑን ዘፈር ቱሪዝም ከምዝተነቓቐሐን ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣይተ ርስቱ ይርዳ ብተመሳሳሊ፥ በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር ንተኸተልቲ እምነት ክርስትና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

አቶ ርስቱ ህብረተሰቡ በዓሉን ሲያከብር እንደ ከዚህ ቀደሙ ሁሉ የመረዳዳት እና የመደጋገፍ ባህሉን በማጠናከር ሊሆን ይገባል ብለዋል።

ኣብ በዓል ጥምቀት ምፍላጥ፣ ምርድዳእ፣ ሃገራዊ ሓድነት ብዝበለፀ ዝንፀባረቐሉ ስለዝኾነ፥ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፈተና መፍትሒ ንምድላው ምኽንያት ከምዝኸውን ኣብሪሆም።

ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሃረሪ ብግድኡ፥ ህዝቢ እቲ ክልል ንዘበናት ብሰላም፣ ብፍቕሪ፣ ብምክብባርን ብሓድነትን ዝነበረን ንኻልኦት ከባቢታት ኣብነት ዝኸውን ወናኒ ዓቢዪ ክብሪ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ህዝበ ክርስትያን እቲ በዓል እነተኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ፣ ዝጠመዩ ብምብላዕ ዝፀምኡ ወገናት ብምስታይ ከምኡ እውን ብምኽንያት ኲናት ዝተመዛበሉ ወገናት ብምሕጋዝ ከሕልፎ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment