ርእሳነ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዑደት የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰንን ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ዑደት የካይዱ ኣለዉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ንህንፀት እቲ ግድብ ደገፍ ዝኸውን 33 ሚሊየን ብር ቦንድ ዝገዝኡ በዓል ውልቀ ሃፍቲ ኣይተ በላይነህ ክንዴ ድማ ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ ንምትብባዕ ዝዓለመ 40 ኣብዑር ብውህብቶ ኣበርኪቶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment