ርእሳነ ምምሕዳራት ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ሜዳልያ ኣግሪኮላ ፋኦ ብምሽላሞም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝኸበረ ሜዳልያ ኣግሪኮላ ፋኦ ብምሽላሞም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝቢታት ማእኸላዊ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷  “እቲ ሽልማት ንኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ክብ ዘብልን ልዑል ምስላ ዘዕቢን ብምዃኑ ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ነመስግኖም” ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ርእሰ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ህዝቦች ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር ኢ/ር)÷ እቲ ሽልማት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝሰርሑዎም ሰናይ ስራሕቲ ጎሊሆም ዝረአዩ ምዃኖም ዘመላኽት ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም÷ “ዕረፍቲ ዘይፈልጥ፣ ንግዚያዊ ፀገም ኢትዮጵያ ፍቱን መፍትሒ ሓሳብ ዘፈልፍል መራሒና” ብምባል ንብሱል ኣመራርሓ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ክልል ጋምቤላ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝገበሩዎ ኩለመዳይ ስራሕ ውፅኢት ብምምዝጋን ተሸላሚ ብምዃኖምን መንግስቲን ህዝቢን እቲ ክልል ኩርዓት ይስመዖ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብትካል ምግቢን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝኸበረ ሜዳልያ ኣግሪኮላ ፋኦ ምሽላሞም ይፍለጥ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment