ርእሳነ ምምሕዳረ ክልላት በዓል ዓወት ዓድዋምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳረ ክልላት መበል 128 ዝኽሪ በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ÷ መበል 128 ዝኽሪ በዓል ዓወት ዓድዋ ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ድማ÷  ዓወት ዓድዋ ንኩሎም ኢትዮጵያውያን ሓበራዊ መንነት ኣብ ምህናፅ ዓብዪ መሰረት ዘንበረ ከምዝኾነ ገሊፀም፡፡

ዓወት ዓድዋ ብታሪኽ ዓለም ዝፈልጦን ንኹሎም ኣፍሪካውያን ኣርማ ናፅነት ኮይኑ ከምዝዝከርን ኣልዒሎም፡፡

ኢትዮጵያውያን ትክክለኛ መንነቶም ዝዛረቡሉን ፀለምቲ ኣብ ልዕሊ ፀዓዱ ዓወት ዝተጎናፀፉሉ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

“ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ እንትነኽብር ካብ ምፍልላይ ሓድነት፤ ከምኡ እውን ካብ ፅልኢ ፍቕሪ ብምጉላህ ክኸውን ኣለዎ” ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ብተመሳሳሊ÷ መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ÷ ዓድዋ ንመላእ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲን ኣርማ ናፅነት፣ ማዕንትን ኣይግዛእን በሃላይነትን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ንመላእ ጭቁናት ህዝቢታት ሽግ ዓወት ዝለኮሰ ዓወት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ብግድኡ÷ ናይ ሕዚ ወለዶ ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ስነ ልቦና ሓድነት፣ ምትሕስሳብን ምትሕበባርን ሰኒቑ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ከይዲ ሓርበኛታት ክኾኑ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ዓወት ዓድዋ ማሕተም ብሄራዊ ክብሪ ኢትዮጵያ፣ ኩርዓትን ኣርማ ቃልሲን ፀለምቲ ህዝቢታን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሃረሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ ኣርማ ናፅነት ኣፍሪካ ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ብናይ ህይወት መስዋእትነት መላእ ህዝቢታት ሃገርና ዝተረኸበ ዓብዪ ዓወት ኢዩ” ክብል ገሊፁ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኸቲ÷ “ኢትዮጵያውያን ኣዚዩ ዘኹርዕ ዓወታትን ታሪኻን ዘለዉዎም ህዝቢታት ከምዝኾኑ፤ ቀዳሞታት ኣቦታትናን እኖታትናን ንሃገሮም ብዘይምስሰሳዕ ንባዕሎም ኣወፊዮም ኢዮም” ክብሉ ኣልዒሎም።

ዓወት ዓድዋ እንትለዓል÷ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘደንቕ ኢትዮጵያውያን ብጉሉህ ዝፍለጡሉ ሓድነት ብተግባር ዝተገለፀሉ ዓወት ከምዝኾነ እውን ኣይተ ኣይተ ኣሻድሊ ተኣብሪሆም።

ርእሳነ ምምሕዳረ ክልላት ጋምቤላን ሲዳማን እውን መበል 128 ዝኽሪ በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment